Showing posts with label ንባብ ቤት. Show all posts
Showing posts with label ንባብ ቤት. Show all posts
Saint Yared

Saint Yared iconographic symbolism, with three major chants, Ge'ez, Ezel and Araray

This article is about the Christian Saint Yared

  • Saint Yared (Ge'ez: ቅዱስ ያሬድ) was an Ethiopian composer at the time of Kingdom of Aksum. He innovated traditional music of Ethiopia and Eritrea and developed the discrete religious music of Ethiopian Orthodox Church, Eritrean Orthodox Church, and the use in liturgical music, as well as the Ethiopian musical notation system. Additionally, he composed Zema, or the chant tradition of Ethiopia, particularly the chants of the Ethiopian-Eritrean Orthodox Tewahedo Churches, which are still performed today. He is regarded as a saint of the Ethiopian-Eritrean Orthodox Church with a feast day of May 19. His name is from the Biblical person known in English as "Jared" (Book of Genesis 5:15).
  • Yared was born on April 25, 505 in the village of Axum, Tigray, Ethiopia from his mother Tauklia and his father Adam. When he reached six, his parent gave him tutelage of Yishaq, who was a teacher of Axum. Under his instruction, Yared completed alphabet and Psalms. Yishaq brought Yared back to his parent and his father died. Unable to raise him, his mother Tauklia left him to his brother Abba Gedeon, who was a parish priest.
  • Gedeon was a teacher of Old and New Testament in Saint Mary of Sion and he begun translating Holy Scriptures into Ge'ez from Hebrew and Greek. At that time Yared was in poor education and unable to acquire knowledge, which led him severe punishments and mockery at school. Aware of his failure, Yared decided to go on to his uncle's birthplace Medebai Welel. Due to heavy rain, Yared sheltered under a nearby tree in place of Murade Qal.
  • Pondering his life, Yared rested and noticed a caterpillar climbing the tree to eat leaves. The caterpillar continued to fall down, but eventually it succeeded to reach its destination. Yared wept and returned to Gedeon and pledge him not to offend. Gedeon began teaching Psalms. Yared subsequently moved to Saint Mary of Sion and prayed everyday to God. When Yared was fourteen, Gedeon died; Yared took his mastering position.
  • He then returned to Axum at the age of nine, becoming the chief priest in Holy Ark of Sion. Soon after, Yared composed "Ariam". While at Axum, Yared brought into fruition the concept of traditional musical instruments like tsenatsel, begena, masenqo, inzira and kebero through divine manifestation. Yared created musical notations and alphabets, as well as mequamia, a walking stick used by elder clergies during liturgy.
  • During the 14-year rule of Emperor Gebre Meskel, the son of Emperor Kaleb, Yared became a dominant musical figure in Axum. He denounced the greatest poet and the Emperor favored him. Soon after Yared composed Zema, resulted in his succession in church service.
  • Yared become a pioneer of observing Hossana, also called Palm Sunday in Axum. He divided hymns into four parts: winter, summer, autumn and spring. He completed a book Deggua, De'guaa in Tigrinya, which means "lamentations". Deggua divides into three chanting modes: Ge'ez, Ezel, Araray. Ge'ez relies a plain chant for ordinary days, Ezel is increased measured beat for funeral and Araray is a free mode, light beats for festivals. The highest part of Deggua is Mahlet Yared (hymn of Yared). Those three chants represent the Trinity.
  • Yared also composed ten tones with notations, unlike the European modes consisting of six notes. Yared then developed their arrangements calling "Seraye", which signifies hymnary guideline. The glyphs of notations consist of dashes, dots and curves. Tsome Deggua is written for Lent, Me'eraf is sung for Sabbath vigils, Zimare is for Holy Communion, Mewasit is for funerals, requierems and Eastern Eve and Quidase is for Communion. These books spend nine years in order to complete.
  • The Nine Saints, who expelled by religious persecution from Byzantine Empire and reached Ethiopia in the 5th century, met with Yared, whom he visited individuals churches and aid them to build with assistance of Axumite Emperors. Yared also consecrated Debre Damo churches founded by Abune Aragawi. One place where Yared successfully gave mastery is St. Qirkos in Lake Tana.
  • On the coronation of Gebre Meskel, Yared placed a wreath of flower to crown on him. The event is found in Deggua. Yared died at the age of 66 on May 20, 571 in a cave in the Semien Mountains. He had been traveling to teach.

If you have time, you should read more about this incredible human being on his Wikipedia entry

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ

 

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ1327 ዓ.ም. ብዓቢይ ጻድቕ ኣቦ ኣቡነ እንድርያስ እዩ ተገዲሙ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ለዋሃትን ፈርሃት እግዚኣብሔርን ዘለዎም ሥድራ ማለት ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ኣብ እንድርታ ትግራይ ተወልደ።

ኣቐዲሞም ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ይኃዝኑ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋትን ብብዝኂ የዘውትሩ ነበሩ። ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ውላድ ክትህቦም እሞ መብጽዓ ኪህብዋ ተማባጽዑ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብየማና፡ ቅዱስ ገብርኤል ከኣ ብጸጋማ ገይራ ብምምጻእ “ ልደቱ ምስ ልደተይ 1 ግንቦት ዝኾነ ቡሩኽ ሕፃን ክትወልዱ ኢኹም” ኢላ ኣብሠረቶም። “ተወልደ ሕፃን በተፍጻሜተ ቀዳማይ ወርኅ ዘውእቱ ኔሳን በወርኀ ልደታ አመ ሠርቁ ለዓኮን ዘውእቱ ግንቦት ወበጊዜ ልደቱ አብርሀ ቤተ ከመ ፀሐይ ወወድቁ ዲበ ምድር እለ ሀለዉ ውስተ ውእቱ ቤት።’ በዚ ኸኣ 1 ግንቦት 1245 ዓ.ም. ተወልደ።

ኣቡነ እንድርያስ ውልድ ምስ በለ ጸሎት ገበረ እሞ ጸላኤ ሠናያት ሳጥናኤል ነዚ ሰሚዑ “እዚ ሕፃን እዚ ለካ ጸላእየይ፣ ኣንጻረይ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተጨኒቑ ኪቐትሎ ሓሰበ፡ እንተኾነ እቲ ኣብኡ ኃዲሩ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ከልከሎ። ድኅሪ ፵ (40) መዓልቲ ኣብታ ቅድም ዝተማባጽዑላ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኢድ ኤጲስ ቆጶስ ተጠምቀ። ብጸሎተ ምህላ ዝተረኽበ ንምባል ‘መሓረነ እግዚእ’ ዝብል ስም ጥምቀት ተሰይመ።

ሽዑ ኣብ ቤት ዘአማኑኤል፡ እቲ ዘጥመቐ ኤጲስቆጶስ ምስ ኵሎም ካህናትን ዲያቆናትን እናዘመሩ ከለዉ፣ ሕፃን መሓረነ እግዚእ ከኣ ኣብ ዝባን ኣደኡ አመተ መንፈስ ቅዱስ ተኃዚሉ ከሎ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለዕጓለ እመ ሕያው ዘሠምሮ” ኢሉ ኣመስገነ።

ድኅሪ ሠለስተ (3) ዓመት ጡብ ምስ ኃደገ ልክዕ ከምታ መብጽዓዖም ናብታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። ከም ነቢይ ሳሙኤል ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓበየ። ሠራዊተ ዲያብሎስ ከይቐርብዎ ክልቲኦም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ለይትን መዓልትን ይሕልዎ ነበሩ። ቅዱስ ገብርኤል’ውን ሰማያዊ መናን ሰማያዊ ጽዋዕን እናኣምጽአ ይምግቦ ነበረ።

ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ትምህርቲ 81 መጻሕፍቲ ተማህረ። ሥራሑ ብጾም፣ ጸሎት ስግደት ጀመረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዅሉ ጊዜ እናመጽአ ይናዝዞን ይሰምዖን ነበረ። “በከመ ይቤ በወንጌል ዘሰ ያፈቅረኒ ወየዐቅብ ቃልየ ኣነ ወአቡየ ንመጽእ ኀቤሁ ወንሬስዮ ምዕራፈ/ እቲ ዜፍቅረኒ ቃለይ ኪሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ከኣ ኬፍቅሮ እዩ፡ ናብኡ መጺእና ድማ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና።” (ዮሓ. 14፡23)

ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ “ሐለየ በልቡ ወይቤ ምንት ይበቍዐኒ፣ ንብረተ ዝንቱ ዓለም፣ ወእትገኀስ እምአዝማድየ ወእኅድግ አቡየ ወእምየ” ብምባል ናብ ሰሉዳ ዝተባህለት ገዳም ከደ እሞ ምስ ንእግዚኣብሔር ዘሥመረ ዓቢይ ባሕታዊ ኣባ ገብረክርስቶስ ተራኸበ። ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ንኣባ ገብረክርስቶስ፡ “ኢይክል አሐዱ ገብር ተቀንዮ ለክልኤ አጋእዝት ለአሐዱ ይትኤዘዝ ወለካልኡ ኢይትኤዘዝ / ንገንዘብን ንእግዚኣብሔርን ክትግዛእ ኣይከኣልን እዩ” “እለኒ በልዑ ከመ ዘኢበልዑ እለኒ ሰተዩ ከመ ዘኢሰትዩ፣ እለኒ ተፈሥሑ ከመ ዘኢተፈሥሑ”፣ እዩ ዝብል እሞ ኣመንኵሰኒ በሎ። ኣባ ገብረክርስቶስ ድማ “በረኸት ኣቦታተይ እንጦንዮስ፣ መቃርዮስ፣ ጳኵሚስ ይኅደርካ። እቲ ናታቶም ምንኵስና ዝባረኸ ኣምላኽ ምንኵስናኻ ይባርኸልካ” ኢሉ ባረኾ። ስመ ክርስትናኡ መሓረነ እግዚእ ኪኸውን ከሎ ስመ ምንኵስናኡ ኸኣ እንድርያስ ተባህለ። እንድርያስ ማለት ጎበዝ መንእሰይ ማለት እዩ።

ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ድኅሪ ምምንዃሱ ንዓይኑ ሰለምታ ንሰብነቱ ድቃስ ንሥጋኡ ዕረፍቲ ዝብሃል ኣይሃበን። ለይቲ ምስ መዓልቲ ከም ዓንዲ ሓፂን ብጸሎት ተተኽለ፣ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚሓብጥ ከም መንኰራኩር፣ ረሃጹ ክሳዕ ናብ ምድሪ ዘንጠብጥብ ይሰግድ ነበረ።

ብትሕትናኡ ኸኣ ዝተፈልጠ ኣቦ ኾነ፣ ጋሻ እንተ መጽአ እግሪ ኣብ ምሕፃብ ቀዳማይ ኮነ። እንሆ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ናብ ጳጳስ ብምኻድ መዓርገ ዲቁና ተሸመ። ከም ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከኣ መንበረ ጸባኦት ክሳዕ ምርኣይ በቕዐ። ድኅር’ዚ ውን ኣባ ገብረክርስቶስ ጥብዓቱ ብምርኣይ “ይቤሎ ተሠየም ቀሲሰ መዓርገ ክህነት” “ይግብኣካ እዩ እሞ ኪድ ካብ ጳጳስ ክህነት ተቐበል” በሎ። “ሕራይ” ኢሉ ፍቓድ መምህሩ መሊኡ ካብ ጳጳስ መዓርገ ክህነት ተቐብዐ፣ ልክዕ ከም ናይ መልከ ጼዴቅ ጌሩ ኸኣ ብትግሃት ኣገልገለ። ምሥጢረ ቍርባን ኪህብ ከሎ ንዚግብኦን ንዘይግብኦን ይፈላሊ ነበረ።

ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ “ንኢየሩሳሌም ከይደ ቤተልሔም ዝተወልደላ፣ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀላ፣ ናዝሬት ዝዓበየላ፣ ቀራንዮ ዝተሰቐለላ ክርኢ ክኸይድ” ኢሉ ሰንሰለት ሓፂን ተዓጢቑ ብጸሎት ንጐይታ ሓተተ። ሽዑ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱሳን መላእኽት ተገሊጹ “ኦ ፈታውየይ እንድርያስ እቲ ዅሉ ኣነ ዝፈትዎ ዘበለ ትፍጽም ኣሎኻ። . . . ሕጂ ኸኣ ናብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ኣይትሕሰብ፣ ምኽንያቱ ኣነ እታ ሥጋኻ እትቕበረላ ከርእየካ እየ። ኣብኣ ዓቢይ በዓቲ ኣዳልየልካ ኣሎኹ፣ ነዛ በዓቲ እዚኣ ኸኣ ከም ቤተልሔም፣ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ማይ ከም ዮርዳኖስ፣ ንመቓብርካ ከምቲ ናተይ መቓብር ጎልጎታ ንደብርኻ ኸኣ ከም ደብረ ጽዮን ክገብረልካ እየ” በሎ። በዚ ድማ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ “ምርሐኒ እግዚኦ ፍኖተ እንተ ባቲ አሐውር/ ኦ ጐይታ እቲ ዝኸደሉ መንገዲ ምርሓኒ” (መዝ. 143፡10) ኢሉ ነታ ቦታ ክደሊ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመን ረኸበ። ንሱ ኸኣ ነቶም ከባቢ ወንጌልን ኦሪትን ኪምህረሉ ስለዝለመኖ፡ ዅሉ ዓሠርተ ትእዛዛትን ወንጌልን ሰበከሎም።

ኣብ ሓበላ ከሎ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣቡነ እንድርያስን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መቅደሰይ መጺእኩም ቀድሱለይ’ ኢላ ምስ ዝኣዘዘቶ፣ መጻሕፍቲ ዝስከም ኣድጉ ጽዒኑ ድኅሪ ብዙኅ መንገዲ ኣሥመራ ንምእታው ምስ ተቓረበ፡ ኣብ ቅድሜኡ ሓደ ዓቢይ ጎቦ ምስጋር ከልኦ፡ “ወተግኅሰ ደብር እምቅድሜሆሙ በጸሎቱ ለአባ እንድርያስ ወማዕምቅ መልአ።” ከምዝብል መጽሓፍ ገድሉ ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ካብቲ ቦታ ንገምገም ዓርበ ረቡዕ ከምዝግዕዝ ገበሮ። እዚ ዓቢይ እምባ ኣብ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ዝነበረ ንዓርበ ረቡዕ ገጹ ዝፈለሰ ምዃኑ ይንገር።

ድኅሪ ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምፍልላዩ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ማይ ምጭቓ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ዓዲ ናህባይን ዓዲ ፈለስትን ዝርከብ በዓቲ ከምኡ’ውን “ወሖረ መንገለ ዛናአብ” ካብ ማይ ምጭቓ’ውን ናብታ ኣብ ከባቢኡ እትርከብ ዛናኣብ ከም ዝኸደ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብዚ ጊዜ’ዚ መግቡ ሱር ዒቃ እዩ ዝነበረ። “ወነበረ ህየ እንዘ ይሴሰይ ቈጽለ አሥርቆ ዘውእቱ ሥርወ ዒቃ” ኣብዚ እዋን'ዚ ብሕልሚ ለይቲ “ነታ ክህበካ እየ” ዝበሎ ማየ ዮርዳኖስ ዘለዋ ገዳም ይርኢ፣ ብቐትሪ ግና ይስእና። ከምኡ’ውን ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመን “ንኣኻ ትኸውን ገዳም ብራእይ ርእየ” ምስ በሎ ሓሳቦም ሓደ ኾይኑ ነታ ቦታ ከይዱ ረኸባ ልክዕ ከምቲ ዝተነግሮ’ውን ጸንሓቶ። ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ኣመስጊኑ ድማ ኣብኣ ምስ ኣርድእቱ ብተባሕትዎ ተቐመጠ ።

  • Click to enlarge image bietekrstiyansefia.jpg
  • Click to enlarge image gobosefia.jpg
  •  

ሓደ መዓልቲ ጥሜትን ጽምእን ኣብ ዝበርትዓሉ እዋን እቶም ኣርድእቲ ንኣቡነ እንድርያስ “ካብዚ ገዳም ወፂእና ክንምገብ ኣፍቅደልና” በልዎ። እንተኾነ ኣቡነ እንድርያስ “ኣጽንዖ መካን ስለ ዝበልጽ እዞም ደቀይ ቁሩብ ተዓገሡ። ዓሣ ካብ ባሕሪ፣ መነኮስ ካብ ገዳም እንተወፂኡ ጽቡቕ ኣይኮነን” እኳ እንተበሎም እቶም ኣርድእቲ ግና መሊቖም ናብ እንዳ ተኣማኔ እግዚእ ዓዲ ሞገስ ከባቢ ጣላን ዓደብዛገን ኪምገቡ ኸዱ። እቲ ሰብኣይ እኳ ኪኣትዉ እንተ ፈቐደሎም እታ ሰበይቲ ግና “ኣቦኦም’ከ ምስኦም ኣሎ’ዶ፧ ኣቦኦም ኣቡነ እንድርያስ እንተ ዘይሃልዩ ኣይቕበሎምን እየ” በለት። ከምዚ ክትብል ከላ ኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ይፈልጥ እሞ “ወይቤ አቡነ ሚጦሙ ኀቤየ ለእሉ አግብርቲከ ወኢትኅድጎሙ ይሠጠሙ ውስተ ባሕረ ዓለም” ኢሉ ምስ ጸለየሎም ተመልሱ።

ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ነቲ ገንኢ “ማይ ምልኡለይ” ኢሉ ኣብኡ ምስ ጸለየ “ወዘንተ ብሂሎ ዐተበ በትእምርተ መስቀል ዲበ ውእቱ ማይ ወኮነ ጥዑመ ከመ ዓያያተ መዓር ወይቤሎሙ አቡነ እንድርያስ ለደቂቁ ንሥኡ ስትዩ ዘወሀበክሙ እግዚኣብሔር ወሰትዮሙ ደቂቁ ውእተ ማየ ዘኮነ ወይነ ጥዑመ አንከሩ ጥቀ”። ከምኡ’ውን ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ምእንቲ ደቁ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ኣርያም 3 ኩምራ ሥርናይ ከም ዓውዲ መሲሉ መልአ። እዚ ኩምራ'ዚ ን7 ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ከሎ፣ ኣቡነ እንድርያስ ናይ ጎሞር መሥፈር ካብ እምኒ መዐቀኒ ገበረሎም። ካብታ መዐቀኒት ዝያዳ ከይወስዱ ኸኣ ኃደራ በሎም። እዚ ሥርናይ ኣርያም እዚ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ሓደ ነገር ማለት ዝናም ከይዘነሞ፣ ነቐዝ ከይበልዖ፣ ኣዕዋፍ ከይለቐማሉ፣ ሰረቕቲ’ውን ኣይወስዱሉን። ምኽንያቱ ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ጸሎት ስለዝኸደኖ፡ “ጸሎቱ ለጻድቅ ትክል ወታሠልጥ” (ያዕ. 5፥15)።

ድኅሪ 7 ዓመት ግና እቶም ኣርድእቲ “ስለምንታይ ኢና ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ንሰፍሮ፧ ከም ድሌትና ዘይንወስድ” ብምባል ዝተዋህቦም ኃደራ እሞ ጠለሙ ሽዑ ነቲ ሥርናይ ኣራዊት፣ ጻጸ፣ ኣዕዋፍ፣ ሰረቕቲ ከምዝኣትውዎ ንኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ተገልጸሉ፣ ናብ ቤት ኣእትውዎ ኸኣ በሎም። ንሾብዓተ ዓመት ከኣ ተመገቡ። ብድምር ን14 ዓመት ዝኣክል ካብ ኣርያም ዝወረደ መና ከም ዝተመገቡ መጽሓፈ ገድሉ ይሕብር። እቲ ዝወርደሉ ዝነበረ ቦታ’ውን ንምልክት ዝኣክል መስቀል ተጌሩሉ “ምውራድ መና“ ኣባ ጊዮርጊስ “ ሰአል ለነ እንድርያስ አቡነ በአርዑተ ወንጌል ዘተፀምደ ፧ ለደቂቀ ቤቱ ገሀደ ፡ሥርናየ አርያም ዘአውረደ” ኢሉ ኣብ መጽሓፈ ሰዓታት ገሊጽዎ ይርከብ። “ (ሥርናይ ኣርያም) እናተባህለ ክሳዕ ሎሚ ይጽዋዕ ኣሎ።

ድኅር’ዚ ዝተጠቕሰ 14 ዓመት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ሰማይ ወርቂ ዘነመ። ሽዑ ካብቶም ኣርድእቲ ሓደ ዘካርያስ ዝተባህለ ርእይዎ ከብቅዕ ኃዲግዎ ኸደ። ኣቡነ እንድርያስ “ስለምንታይ ዘየልዓልካዮ፧” ምስ በሎ ፍቓድ መምህሩ ክመልእ ኣልዓሎ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ “ስለምንታይ ኣብቲ ቐዳማይ ጊዜ ዘየልዓካዮ፧” እንተ በሎ “ኢታንሥእ ዘኢያንበርከ” ስለዝብል ኢሉ መለሰሉ። ንሱ “ነዚ ወርቂ'ዚ ኣይትሽጥዎ ኣይትምዘንዎ፣ እንታይ ደኣ ብለውጢ ተጠቐሙሉ” ብዝበሎም መሠረት ይነብሩ ነበሩ። ንዘውኃደሎም ኣይሓምይዎ፣ ንዘብዝኃሎም ኣይንእድዎ ነበሩ። ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሠርከ ሠርክ ናብቶም ኣርድእቲ ብርሃነ መንፈስ ቅዱስ ይወርድ ነበረ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጊዜ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ምስ ቀረበ ኣእላፈ ኣእላፋት መላእኽቲ ኣኸቲሉ መጺኡ ከምቲ ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦ።

“ነዛ ገዳም እዚኣ ከም ቤተልሔም ዝተወለድኩላ፣ ከም ደብረ ጽዮን፣ ደብረሲና፣ ሙራደ ቃል፣ ንመቓብርካ ከኣ ከም ጎልጎታ ክሓስበልካ እየ። እቲ ዅሉ ናብ'ዚ ደብሪ'ዚ ኣብ ዕለት ሞትካን ልደትካን ብእምነት ዝኸደ ከድኅነልካ እየ” በሎ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ከኣ ከም ዮርዳኖስ ጌረዮ ኣሎኹ። እቲ ዅሉ ብእምነት ብእኡ ዝተሓፅበ ካብ ዝነበሮ ደዌ (ሕማም) ኪሓዊ እዩ። “ወዘሂ ተቀብረ ውስተ ዛቲ ምኔት ውስተ ምሥራቂሃ ወምዕራቢሃ ወውስተ ሰሜና ወደቡባ እስከ ኀበ ይበጽሕ ጽላሎታ እሬስዮ ለድኂን” ምስ በሎ ንሰማይ ዓረገ።

ንዅሎም ደቁ ኣኪቡ “እንሆ ጐይታይ ክትመውት ኢኻ ኢሉኒ ስለዘሎ ክነግረኩም ስምዑኒ፣ ምሉእ እምነት ሓድነትን ሠለስትነትን የሃልኹም። ነንሓድሕድኩም ተፋተዉ (ተፋቀሩ) “እስመ ተፋቅሮ ይደፍኖን ለኵሎን ኀጣውእ” ኃዳጋት ኩኑ”። ከምዚ ምስ በሎም ንእሽቶ ሕማም ሓመመ።

ሽዑ እቶም ደቁ “ንስኻ ካብ ሰማይ ሥርናይ ዘውረድካ ብጸሎትካ፣ ንስኻ ኣቦና ንደቅኻ መና ዝመገብኻና’ኸ ትመውት ዲኻ፧” ከምዚ ክብሉ ኸለዉ ኸኣ ካብ ኣዕይንቶም ከም ውኂዝ ክረምቲ ንብዓት ይውኅዝ ነበረ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ንደቁ ኪበኽዩ ምስ ረኣዮም “ኣይትብከዩ፣ ኣነ ካብዛ ኃላፊት ዝኾነት ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ እየ ዝኸይድ ዘሎኹ” በሎም። ኣቡነ እንድርያስ ነቶም ኣርድእቱ “ብድኅሬይ ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ ከተርክቡኒ ኢኹም” ብዝበሎም መሠረት ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ 999 ኣርድእቲ ተሰየፉ፣ ሕጂ እንዳ ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ብስሞም ታቦት ተቐሪጽሎም ኣሎ።

ኣቡነ እንድርያስ ዝዓረፈሉ ዕለት 1 የካቲት እዩ፣ ዝተወልደሉ ኸኣ ዕለት 1 ግንቦት እዩ።

ሕጂ ኣብዚ ገዳም ዝርከብ ቅርሲ፦

- ማየ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ኃሊፍ
- መቓብር ኣቡነ እንድርያስ፥
- ጎሞር መስፈር ሥርናይ ኣርያም፥
- ናይ ኢድ ዝነበረ መስቀል፥
- ጭዃሮ ዝነበረት ሕጂ ዓባይ ኣውሒ ኮይና ኣላ ንሳ ናይቶም 999 መቓብር ዝዀዓተት እያ።
- ግራት ወርቂ፥
- መቓብር ንገብር ኄር ዝቐተለ ኣንበሳ፥
- ሥርናይ አርያም ዚወርደሉ ዝነበረ ዓውዲ

እዚ ገዳም’ዚ ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ዓሚቝ ታሪኽን ሰፊሕ መንፈሳዊ ተጋድሎን ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ እሞ ነጊድና ክንበጽሖ፡ ኣንቢብና ክንፈልጦ፡ . . . እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

ናይ ኣቦና ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ምንጪ፥ ልሳነ ተዋህዶ
ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

 

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ ቴድረር ዝርከብ፡ ታሪኻውን ጥንታውን ገዳም እዩ። ብጥንታውነቱ ምስቶም ቀዳሞት ገዳማት (አድባራት) ሃገርና ዝሥራዕ ክሳዕ ሎሚ ህልውናኡ ዝሓለወ ገዳም እዩ።

ኣመሠራርታ ናይዚ ገዳም’ዚ ምስ ታሪኽ ድራር ስመ ክርስትናኡ ገብረክርስቶስ ዝበሃል ዝተኃኃዝ እዩ። ገብረክርስቶስ ብኣቡነ ሊባኖስ ተጠሚቑ ክርስቲያን ዝኾነ፡ ሠለስተ ደቂ ዝነበርዎ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቲ ገብረክርስቶስ፡ ሠለስተ ደቂ ድራር ናብዚ ሕጂ ዘለውዎ ናብ ቴድረር መጺኦም ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ኣሕነፁ። ብመልክዕ ገዳም’ውን መሥረትዎን ገደምዎን። ካብ ከባቢ 537 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ሕዝቢ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ንገዳም ዝግባእ ህያብን ስእለትን እናቕረቡ፡ ዕቤቱ ዓቂቡ ንክጸንሕ ዓቢይ ግደ ኣበርኪቶም እዮም።

እዚ ገዳም’ዚ ብስም እቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቁን ዕብየቱን ዝመስከረሉ ነቢይን ሓዋርያን ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ገዳማዊ፡ ባሕታዊ፡ ትሕርምተኛ . . . ናብራኡ በረኻ እዩ ነይሩ። ማቴ. 11፡7-18፣ ሉቃ. 1፡80። በዚ ኸኣ ናይ ኣበው መነኮሳት ኣርኣያ ኮይኑ ብዙኃት ሰዓብቲ ዘፍረየ ኣቦ እዩ። እዚ ካብ እንጦንስ አበ መነኮሳት ጀሚሩ ዝተራእየ ብሕትውና ኣብ ገዳም ምስፋር ትሕርምቲ (ተሓራሚ) ምዃን ዓጽፊ ምኽዳን ካብ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ዝተበገሰ ኣብነት እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ብንጉሥ ሄሮድስ ተሰይፉ ሰማዕት ብምዃኑ ድማ ኣርኣያ ሰማዕታት እዩ። ማቴ. 14፡12

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር፡ ጥንታውነቱ ምስ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ዝተኃኃዝ ዘለዎ ቅርስን መጻሕፍትን ጸበሉን ጽንዓቱን ዘረድኦ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ከውሒ ዝፈልፈለ ማየ ጸሎት ዓሠርተው ክልተ ጸበል ኣለዎ።
 

ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ክብረ በዓላት የብዕል። ንምሳሌ፦ 1 መስከረም (ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ) ፣ 30 የካቲት ርክበተ ርእሱ ለቅዱስ ዮሐንስ ፣ 15 ሚያዝያ ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ነፍሱ ዝተፈልየትሉ ፣ 30 ግንቦት ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ካልኣይ ጊዜ ዝተራእየትላ፣ 2 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ፡ 30 ሰነ ልደቱ ለቅዱስ ዮሓንስ እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ቀንዲ ዝበዓሉ 1 መስከርምን 2 ሰነን እዮም።
 

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ገዳም እዚ ልክዕ ከም ኵሎም ቅዱሳን ገዳማት፡ ቃል ኪዳን ዘለዎ እዩ። ብድኻም ዝበጽሐ ዝተሳለመ፡ መባእ ዘቕረበ፡ ጸበሉ ዝተሓፅበን ዝጠዓመን . . . ካብ እግዚኣብሔር በረኸትን ምሕረትን ይረክብ እዩ እሞ ናይዚ ቅዱስ ኣቦን ናይዚ ቅዱስ ገዳምን በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸጋኡ የብዝኃልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ምንጪ፥ ልሳነ ተዋህዶ
ገዳም ደብረ ሲና

 

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ምስ ከድካ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉ ዝነበረ፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን፡ ብግብጺ ኣቢሎም ኣብዚ ገዳም ደብረ ሲና ንኣርባዕተ ወርኂ ከምዘዕረፉ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ይነግሩ።

ኣብ 332 ዓ.ም. ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ካብ ግብጺ ሥልጣነ ክህነት ተቐቢሉ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሉ ናብ ደብረ ሲና ኣትዩ እዩ። ትምህርተ ክርስትና ሰቢኹ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ጥምቀተ ክርስትና ዝፈጸመሉን ሥርዓተ ቍርባን ዝሠርዓሉን ቦታ እዩ። ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽብሃን (ኤዛናን ሴዛናን) ካብ ኣክሱም ናብዚ ገዳም ብምምጻእ ተጠሚቖም ቆሪቦም እዮም።

ኣብ 474 ዓ.ም. - 478 ዓ.ም. ኣባ ዮሓኒ ምስ ብዙኃት መነኮሳት ብዙኅ ታቦት ኂዙ ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ብምምጻእ፡ ነቲ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘምጽኦ ታቦት ኣብ ዘመኑ ብዝነበረ ጳጳስ ኣባ ናሆም ኣባሪኹ ኣብ ደብረ ሲና ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣእትዩ ከም ገዳም ገደማ። ናይዚ ገዳም ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ ብኢዱ ዝዳኅሰሳ ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀት መሠረት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ኪጽሊ ኸሎ ኣብ 21 ግንቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ንመላእኽትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣኺታላ ካብ ፀሓይ ትበርህ ኮይና ብራእይ ስለዝተገልጸትሉ ነዛ ዕለት’ዚኣ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ በዓለ ማርያም ክብዕል ጀመረ። ከምኡ’ውን ኣብ 20 ሰኔ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ቍርባን ኪሠርዕ ስለ ዝረኣዮ 20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ከምዝበዓል ኮነ። በዚ መሠረት ከኣ ዓመት መጽአ ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ 21 ግንቦት ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ብዓቢይ ድምቀት ይብዕል። 

ኣብ ገዳም ደብረ ሲና፡ ብዙኃን ቅዱሳን ኣቦታት መናንያን ብብሕትውናን ሱባኤን ይነብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ከባቢ 454 ዓ.ም. ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዒሮ ኣብ ዝበሃል ብብሕትውና ተቐሚጦም ከለዉ ኣብዛ ናይ ሕጂ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ረኣዩ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ተገልጸትሎም። በዚ መሠረት ምስቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ራእይን ምስ እግዚአብሔር ቃል ንቃል ዝተዛረረበሉን ብምምሳል ነዚ ገዳም ሲሓት ዝበሃል ዝነበረ ‘ደብረ ሲና’ ኢሎም ሰመይዎ። (ዘፀ. 3፡2-6)

ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና ከም ደብተራ ሙሴ ብፍቓድ እግዚአብሔር ዝተገብረ መቕደሱን ቅድሳቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንፀ መሠረት ዘይብሉ ዓቢይ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ የገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣገልግሎት ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም. ዝተሓንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ። 

ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኪረክብን ሃይማኖት ኪሰፍሕን ኪምዕብልን ብዝብል ቅኑዕ ሕሊና፡ ብሓልዮት ገዳም ደብረ ሲና ተጣኒፀን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዙኃት እየን። 

ኣብ ከባቢ እዚ ቤተ ክርስቲያን’ዚ፡ ‘ወለንሳ’ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ብታሕቲ በዓቲ ብላዕሊ ድማ ሰጣሕ ሜዳ ዝኾነ ዓቢይ ደንጐላ(ዓረ) ኣሎ። ኣብ ጊዜ ክብረ በዓል ውላድ ዝሰኣና ኣደታት “በዓልቲ ወለንሳ ኃዳጊት ኣበሳ” እናበላ ዚዝምራሉ ዚውድሳሉ በዓቲ እዩ። ኣብ ልዕሊ በዓቲ ወለንሳ ክልተ ዓበይቲ ኣጋንእ እምኒ ብተፈጥሮ ዝተሠርሑ ስለዘለው ድማ በዓል ማርያም ግንቦትን በዓለ ማርያም ሰኔን ኣብዞም ዝተጠቕሱ ናይ እምኒ ኣጋንእ ስዋ ተዳልዩ ንሕዝቢ ይዕደል።

ኣብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝተፈላለየ ቦታታት ብእግሪ ኮነ ብመኪና ዝመጽአ ሕዝቢ፡ በረኸት እግዚአብሔር ይረክብን ፍቕሪ ክብርቲ ወላዲተ ኣምላኽ ይገልጽን። ኣብዚ ቦታ ዘይተረኽቡ’ውን ኣብ ዘዘለውዎ ኾይኖም ብሕሊናኦም ተመሲጦም ዚዝክርዎ ክቡር በዓል እዩ።

            እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብዚ ናይዚ ዕለት እዚ በረኸት የሳትፈና!  

        ጸሎታን ልመናኣን ናይ እግዝእትና ማርያም ንዅሉ ዓለም ካብ መዓት ወዳ ይሓልዎም!

              ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመቀሉ ክቡር!

ምንጪ፥ ልሳነ ተዋህዶ
ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

 

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር
ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ ቴድረር ዝርከብ፡ ታሪኻውን ጥንታውን ገዳም እዩ። ብጥንታውነቱ ምስቶም ቀዳሞት ገዳማት (አድባራት) ሃገርና ዝሥራዕ ክሳዕ ሎሚ ህልውናኡ ዝሓለወ ገዳም እዩ።

ኣመሠራርታ ናይዚ ገዳም’ዚ ምስ ታሪኽ ድራር ስመ ክርስትናኡ ገብረክርስቶስ ዝበሃል ዝተኃኃዝ እዩ። ገብረክርስቶስ ብኣቡነ ሊባኖስ ተጠሚቑ ክርስቲያን ዝኾነ፡ ሠለስተ ደቂ ዝነበርዎ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቲ ገብረክርስቶስ፡ ሠለስተ ደቂ ድራር ናብዚ ሕጂ ዘለውዎ ናብ ቴድረር መጺኦም ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ኣሕነፁ። ብመልክዕ ገዳም’ውን መሥረትዎን ገደምዎን። ካብ ከባቢ 537 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳዕ ሎሚ ሕዝቢ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ንገዳም ዝግባእ ህያብን ስእለትን እናቕረቡ፡ ዕቤቱ ዓቂቡ ንክጸንሕ ዓቢይ ግደ ኣበርኪቶም እዮም።

እዚ ገዳም’ዚ ብስም እቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጽድቁን ዕብየቱን ዝመስከረሉ ነቢይን ሓዋርያን ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ገዳማዊ፡ ባሕታዊ፡ ትሕርምተኛ . . . ናብራኡ በረኻ እዩ ነይሩ። ማቴ. 11፡7-18፣ ሉቃ. 1፡80። በዚ ኸኣ ናይ ኣበው መነኮሳት ኣርኣያ ኮይኑ ብዙኃት ሰዓብቲ ዘፍረየ ኣቦ እዩ። እዚ ካብ እንጦንስ አበ መነኮሳት ጀሚሩ ዝተራእየ ብሕትውና ኣብ ገዳም ምስፋር ትሕርምቲ (ተሓራሚ) ምዃን ዓጽፊ ምኽዳን ካብ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ዝተበገሰ ኣብነት እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቅዱስ ዮሓንስ ብንጉሥ ሄሮድስ ተሰይፉ ሰማዕት ብምዃኑ ድማ ኣርኣያ ሰማዕታት እዩ። ማቴ. 14፡12

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር፡ ጥንታውነቱ ምስ ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም ዝተኃኃዝ ዘለዎ ቅርስን መጻሕፍትን ጸበሉን ጽንዓቱን ዘረድኦ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ከውሒ ዝፈልፈለ ማየ ጸሎት ዓሠርተው ክልተ ጸበል ኣለዎ።
 

ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ክብረ በዓላት የብዕል። ንምሳሌ፦ 1 መስከረም (ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ) ፣ 30 የካቲት ርክበተ ርእሱ ለቅዱስ ዮሐንስ ፣ 15 ሚያዝያ ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ካብ ነፍሱ ዝተፈልየትሉ ፣ 30 ግንቦት ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ካልኣይ ጊዜ ዝተራእየትላ፣ 2 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ፡ 30 ሰነ ልደቱ ለቅዱስ ዮሓንስ እዮም። ካብዚኣቶም እቶም ቀንዲ ዝበዓሉ 1 መስከርምን 2 ሰነን እዮም።

ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ገዳም እዚ ልክዕ ከም ኵሎም ቅዱሳን ገዳማት፡ ቃል ኪዳን ዘለዎ እዩ። ብድኻም ዝበጽሐ ዝተሳለመ፡ መባእ ዘቕረበ፡ ጸበሉ ዝተሓፅበን ዝጠዓመን . . . ካብ እግዚኣብሔር በረኸትን ምሕረትን ይረክብ እዩ እሞ ናይዚ ቅዱስ ኣቦን ናይዚ ቅዱስ ገዳምን በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ጸጋኡ የብዝኃልና።

ሰላም ለልደትከ ከመ ገብርኤል ዓደሞ፡

6ተ አውራኀ ለልደተ ክርስቶስ እንተ ቀደሞ፡

ዮሐንስ ምዑዝ እምነ ሥኂን ወቀናንሞ፡

ለለነበብኩ በጽሒቅ ለመልክዕከ ሰላሞ፡

ከመ ከላስስት በሕጽንከ ሢሞ።

ብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!


ምንጪ፥ ልሳነ ተዋህዶ
'ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት - ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን'

 ገዳም ደብረ ቢዘን


‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን ዝምዘንሉ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፥ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመንገዲ ባጽዕ ካብ ኣሥመራ ኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ምሥራቅ ርኂቑ ይርከብ።


ካብ ከተማ ነፋሲት፡ መንገዲ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ነዊኅ ዓቐብ ምስ ደየብካ ኣብ 2410 ሜተር ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተገዲሙ ይርከብ። ነዚ ገዳም’ዚ፡ ኣብ 1361 ዓ.ም. ዝመሥረቶ ኣቡነ ፊልጶስ እዩ።

ወለዲ ኣቡነ ፊልጶስ ኣቦኡ ይርድኣነ እግዚእን ኣደኡ መግደላዊት፡ ቅድሚ ንእኡ ምውላዶም፡ ውላድ ስኢኖም ንብዙኅ ዓመታት ብጸሎትን ጾምን ምስ ጸንሑ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ልዑል እግዚአብሔር፡ ንቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ከምዝወልዱ ኣበሠሮም። በዚ ኸኣ ኣብ 9ተ ጥቅምቲ 1319 ዓ.ም. ኣብ ኣንከረ ባርኳ ፍሉይ ስሙ ዓዲ ጐላጉል ከባቢ ኣክሱም ተወልደ። ድኅሪ 40 መዓልቲ ማለት 18 ኅዳር ኸኣ ክብረ ውልድነት ጸጋ ጥምቀት ንኽረክብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። እቶም ካህናት ብጸጋ ዓበይቲ ስለዝነበሩ ከጥምቕዎ ከለዉ፡ እቲ ዕለት’ቲ በዓል ሓዋርያ ፊልጶስ ብምንባሩ ብስሙ ‘ፊልጶስ’ ኢሎም ሰመይዎ፣ ከምኡ’ውን “ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፡ ንብዙኃት ሰባት ከኣ ኣቦ ኪኸውን እዩ፡ ዝናኡ ኣብ ኵሉ ኪስማዕ እዩ” ብምባል ተነበይሉ። 

ኣደኡ መግደላዊት “ከምቲ ሃና ንወዳ ሳሙኤል ከም መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ዝወፈየቶ፡ ኣነ ድማ ከምኡ ከም መብጽዓይ ንእግዚአብሔር ሂበዮ ኣለኹ” ኢላ ናብ ደብረ ጸራቢ ወሰደቶ እሞ ካብ ኣቡነ በኪሞስ ወዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ 12ተ ዓመት ዕድሚኡ መንኮሰ። ነቶም ኣብዚ ደብሪ ዝነበሩ መነኮሳት ብትግሃት እናኣገልገለ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ይነብር ነበረ። ዓስቢ ትግሃቱን ጻዕሩን ድማ 81 መጻሕፍቲ (መጽሓፍ ቅዱስ) ካብ መምህር ፊደል ቈጺሩ ከይተማህረ ብምልኡ ተገልጸሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ‘ፋድል’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኵሎም ደቂ ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝዓበየ ክሳዕ ዝነኣሰ “ወዲ ፋድል” እናተባህሉ ይጽውዑ ኣለዉ። 

ብድኅር’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድረ ኣግዓዚ እናተዘዋወረ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣስተምሃረ። ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ዛይደኮሎም ኣብ ትኹል ዝተባህለ ዓዲ ብጽኑዕ ብሕትውና ድኅሪ ምቕማጡ፡ ምስ ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ተራኸበ። ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት “እንሆ ኣኅዋት ብሓደ ኪነብሩስ ክንደይ ሠናይን ጥዑምን እዩ” መዝ. 133፡1 ዝበሎ ብፍቕርን ጸሎትን ከም ሓደ ስድራ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ኣብ ሮራ ዝተባህለ ቦታ ሠለስቲኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም፡ ትንቢታዊ ትምኒት ተመነዩ። ኣቡነ ፊልጶስ ድማ ብደቀ ኣንስትዮ ዘይገሃስ ገዳም ገዲሙ፡ ሥርዓተ ማኅበር ኣጽኒዑ ደቁ ግብሪ ጽድቂ ዝሠርሑሉ ገዳም ክወሃቦ ተመነየ። ከም ትምኒቱ ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጸውዑ 16 ኣርድእቱ ኣኸቲሉ ናብ ደብረ ቢዘን ኣተወ። ኣስማት ናይ’ዞም ኣርድእቱ መነኮሳት ድማ፦
1. ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ  2. ኣባ ገብረ ኄር  3. ኣባ እንድርያስ  4. ኣብ ታዴዎስ  5. ኣባ ዜና ጴጥሮስ  6. ኣባ ዮሓንስ ከማ  7. ኣባ ኤርምያስ  8. ኣባ ዮሓንስ  9. ኣባ ይስማዕ ጸሎተነ  10. ኣባ ይስሓቅ
11. ኣባ እንጦንስ  12. ኣባ ጳውሎስ  13. ኣባ ተንሥአ ክርስቶስ  14. ኣባ በርተሎሜዎስ  15. ኣባ ኢሳይያስ  16. ኣባ ማትያስ እዮም።

ኣቡነ ፊልጶስ ፋድል ናብዚ ገዳም ኣትዩ፡ ብመስቀል ገይሩ ብኣርባዕተ መኣዝን ምስ ባረኻ፡ ኣጋንንቲ ብልሳን ሰብ “ወይለና፡ ወይለና” በሉ። ብፍላይ እኳ ኣብ ኣራዊት ኃዲሩ ዝነበረ ርኹስ መንፈስ ብልዑል ድምፂ እናእወየ ተመታተረ። “እታ ህደርዋ” እትብሃል ከውሒ ክሳዕ ሎሚ ብምስሊ ዓቢይ ኣራዊት ገበል ዝመስል ዕጣቅ ዘለዋ “እምኒ ቅኑት” እናተባሃለት ትጽዋዕ ኣላ።

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ኣብ 42 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ከባቢ 1361 ዓ.ም. ከም ገዳም ተኺሉ ማኅበር ሓድነት መሥረተ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዘመነ ክርስትና ብዙኃት ክርስቲያናት፡ ብሓድነት ንኺነብሩ ንብረቶምን ሃብቲ ጥሪቶምን ኂዞም ናብ ማኅበር ሓድነት ሓዋርያት ዝጽንበሩ ዝነበሩ (ግብ. 5፡1)፣ ብተመሳሳሊ ድማ ብዙኃት ድኅነት ነፍሲ ዝደለዩ ናብዚ ኣቦና ዘቖሞ ማኅበር ሓድነት እናተጸንበሩ ይምንኵሱ ነበሩ። ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ክሳዕ 900 ዝበጽሑ ናብዚ ማኅበር ተጸንቢሮም መንኵሶም እዮም። ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ናይ መንፈስ ደቆም እናበዝኁ ምስ ከዱ ካብዚ ገዳም ወፃኢ ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ደብሪ፡ ደሴት፡ ደንጐሎ . . . ተኺሉ እዩ። ‘ጸሎትን ሥራሕን’ ብዝብል መምርሒኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሥርሓት ሕርሻ ተቓኒዑ እዩ። ንኣብነት ከም በዓል ዴዳ፡ ዛላ ዓቢይ፡ ዛላ ኣዋልድ፡ ደሴት፡ ጎቦላሚን፡ ጸላም፡ ብኣብእ፡ ጊንዳዕ፡ . . . ወዘይመስሎ ዘለዉ ንጥፈታት ክሳዕ ሕጂ በዚ ገዳም እዚ ዝግልገሉ ዘለዉ እዮም።

ወትሩ ድማ ንደቁ፡ ምሉእ ዕድሚኦም ኣብ ጾምን ጸሎትን ክተግሁ፡ ብመሠረት ሕጊ ቀኖና ሲኖዶስ ንበዓላት ከኽብሩ ብፍላይ ኣብ በዓላተ እግዝእትነ ማርያም ስማ እናጸውዑን ውዳሴኣ እናደገሙን ክዝክርዋን ከምኡ’ውን ንቀዳመ ሰንበት በቲ መንፈሳዊ መንገዲ ከብዕልወንን ከኽብረውንን ይምዕዶም ነበረ። 

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ኣብዚ ገዳም ኮይኑ “ደቀይ ብምኽንያት ጥሜት ኮነ ጽምኢ ወይ’ውን ንኵናት ኣረማውያን ፈሪሖም ኮነ ብዝኾነ ሽግር ካብዚ ደብሪ ከይስደዱ፡ ንምርኮ ኸኣ ኣኅሊፍኻ ኸይትህቦም እልምነካ ኣሎኹ” ኢሉ ምስ ጸለየ፡ ንዝለመንካዮ ዘይከልእ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ ዝለመንካዮን ዘይለመንካዮን ይኹነልኻ” ዝብል ቃል ኪዳን ተቐቢሉ እዩ። ከምኡ’ውን በቲ “ዝመሃርን ዝምህርን ኣይትኽልኣኒ” ዝበሎ መሠረት ከም ኣባ ይስሓቅ ዝመርሕዎ ጉባኤ ትምህርቲ ፈለገ ሕይወት ተመሥሪቱ ከም በዓል ኣቡነ ዮሓንስ ለጓሜ ደመና ከምኡ’ውን ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዝርከብዎም እናተማሃሩ ብዙኃት ፈርዮም እዮም።

ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ድኅሪ 9ተ ወርኂ ተሓኒፁ ምስ ተፈጸመ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ተቐሪጽሉ፡ ኣቡነ ፊልጶስ 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ ባሪኹ ቀደሰ። ቤት መጻሕፍቲ ተተኺሉ’ውን ብዙኃት መጻሕፍተ ብራና ከም 81 (ሰማንያ ወአሐዱ)፡ መጽሓፈ ጸዳል፡ መዝሙረ ዳዊት ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ዘይርከብ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ዝሥርሓሉ ዝነበረ መጽሓፍ ሕርግርግ ባሕረ ሓሳብ፡ ኣብዚ ገዳም ክሳዕ ሕጂ ተዓቂቦም ይርከቡ። ኣብዚ ገዳም ዘሎ ከም ፍሉይ ዝጥቀስ መጽሓፍ፡ መጽሓፈ ዝኽሪ እዩ። ‘መጽሓፈ ዝኽሪ’፦ እዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዓሪፎም ኣብዚ ገዳም ዝተቐብሩ መነኮሳትን ኣርድእትን ኣስማቶምን ዕለተ ዕረፍቶምን ዝምዝገበሉ መጽሓፍ እዩ። በብዕለቱ ኣብ ጸሎተ ዕጣንን ፡ ስብሓታትን ጸሎተ ሰዓታትን ይዝከሩ። 

ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ፡ ንክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዙኅ ተቓሊሱ እዩ። ነቲ ጳጳስን ንጉሥን ‘ቀዳም ክትከበር የብላን’ ኢሎም ዝኣዘዝዎ፡ ተቓዊሙ ‘ቀዳም ከም ሰንበት ክትከብር ይግባእ’ ኢሉ ከም ኣቦሓጐኦም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለዝመስከረ፡ ብትእዛዝ ጳጳስን ንጉሥን ብቈርበት ተገኒዙ ኣብ ቀላይ ጠሓለ። ኣቡነ ፊልጶስ ግና ነቲ ባሕሪ ከም ሣዕሪ ኣቃጸሎ። ጳጳስን ንጉሥን በቲ ዝረኣይዎ ተኣምራት ተረቲዖም ቀዳም ከም ሰንበት ክትክበር ኣወጁ። ብድኅር’ዚ ዓወት’ዚ፡ ኣቡነ ፊልጶስ ወንጌል እናሰበኸ ናብ ገዳሙ ተመልሰ። 

ኣብ 84 ዓመት ዕድመኡ (ቅድሚ ደብረ ቢዘን ምእታዉ 42 ዓመት፡ ምስ ኣተወ ድማ 42 ዓመት) ገዳሙ ኣነባቢሩ፡ ንወዱ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ መንበሩ ተኪኡ፡ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 5 ነሓሴ ዓረፈ። ዓጽሙ ድማ ኣብዚ ሕጂ እንዳ ኣቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስቲያን ዓሪፉ ይርከብ።

ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ ገዳም ደብረ ቢዘን ምሕረትን በረኸትን እግዚአብሔር ኣይተፈለዮን። ቍጽሪ መነኮሳት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ከደ። እቲ ታሪኻዊ ቅርስን ርስትን ጕልትን ገዳም’ውን በቶም ድኂሮም ዝተንሥኡ ኣበምኔታት ብተኣምራታዊ መንገዲ ዝገጥሞም ዝነበረ ተጻብኦታት እናሰዓሩ ተዓቂቡ እዩ።

ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ትእምርቲ ጽንዓት ሃይማኖት ኮይኑ መራሕቲ ሃይማኖት ጳጳሳት ኣብ ምፍራይን መጻሕፍተ ትምህርተ ሃይማኖት ኣብ ምኅታምን ብዙኅ ኣበርኪቱ እዩ። 
ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን በብእዋኑ ዝተሓንፁ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን፦ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣቡነ ፊልጶስ ቤተ ክርስቲያንን ኣቡነ ዮሓንስ ቤተ ክርስቲያንን እዮም።

 

ብድኅሪ ኣቡነ ፊልጶስ ካብዚ ገዳም እናተበገሱ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝመርሖም ቦታታት ገዳማት ዝመሥርቱ መነኮሳት ብዙኃት እዮም። ገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ፦
1. ካብቶም 16 ኣርድእቱ ዝነበረ ኣባ ይባርከነ ክርስቶስ፦ ኣብታ ኣቡነ ፊልጶስ ዝጽልየላ ዝነበረ ዓቢይ ወግሪ (ዓቢይ እግሪ) ኣድያቦ ገዳም መሥሪቱ እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ብስሙ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፁ ይርከብ።
2. ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ፦ ንደብረ ምዕዋንን ደብረ ኮዳዱን ዝመሥረተ እዩ።
3. ኣቡነ ዓምደ ሥላሴ፦ ኣብ ጐንደር ገዳም ማኅበር ሥላሴ ዝመሥረተ እዩ።
4. ኣቡነ በትረ ሓዋርያት፦ ኣብ ዋልደቢ ቆላ ወገራ፡ በረኻታት ወልቃይት ገዳም ዝመሥረተ እዩ።
5. ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ፦ ኣብ ባምቡቆ ‘ታቦተ ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን’ ዝመሥረተ እዩ።

“ንጻድቅ ብስም ጻድቅ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ” ማቴ. 10፡41 ከምዝበለና፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከምቲ ቃሉ ዓስቢ (በረከት) ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስን ኵሎም ቅዱሳንን ክኸፍለና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

    ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ምንጪ፥ ልሳነ ተዋህዶ
አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ

 መእተዊ

“በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ”


ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስን ተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውን ከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶም ብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም ውሑጅ ብዝውሕዝ ንእሽቶይ ይኹን ዓቢይ “ፊልቆስ ኣቦይ” እናተባህሉ “ዝመሓለሎም” ልቢ ሕዝቢ ዝሰፈሮም ንኡድን ክቡርን ኣቦ እዮም፦ አቡነ ፊልጶስ አንዳዴ ባሕር!

ኣብ መጀመርታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝተንሥኡ እዞም ሕያውነትን ትዕግሥትን፤ ጽሞናን ንጽሕናን፤ ፍቕርን ጥብዓትን፤ ገድልን ጽንዓትን ዝመለለዪኦም ኣቦ፤ ኣብ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ሃገርና ብዙኅ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ሥራሓት ዝፈጸሙን፤ ኣሰር ቅዱሳን ዝዀልዑን፤ ንካልኦት ብዙኃን ቅዱሳን መገዲ ዝጸረጉ ብርሃን ኤርትራ እዮም። ንሕገ ሃይማኖትን ንቃለ እግዚአብሔር ዘይኮነስ፤ ፍቓድ ነገሥታት ጥራይ እናመልኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ጳጳሳት ግብጺ (ኣብ ኢትዮጲያ) ዓበይቲ ተኣምራት ብምፍጻም፤ ቅኑዕ ንዘይኮነ ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘግሃዱ፤ ብትምህርቶምን ብተኣምራቶምን ነቶም ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ዘኅፈሩን፤ ነታ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታት ብተጋድሎኦም ዘጽንዑን ኣቦ እዮም ነይሮም። ልዕልና ሥልጣንን ኃይሊ ዓለምን ብዘየገድስ፤ ሎሚ ዓለም ንዝተሸገረትሉ ኣብ ሞንጎ ክርስቲያናትን ኣመንቲ ምስልምናን ተኸባቢርካን ተሳኒኻን ናይ ምንባር ክህሎት፤ ኣብነታዊ ኪዳን ዝፈጸሙ፤ ምድርን ባሕርን ኣሰማሚዖም፤ ሕውነት ዘደልደሉ፤ በቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ዝነበሮም ግርማ ሞገስን ከኣ ሓወልቲ ስምዕ ኣብ ሃገርና ዘንበሩ እዮም። ኣብ ዝመሥረትዎ ገዳም ዝፈረዩ ደቆም’ውን ካብ ሃገርና ኃሊፎም ኣብ ጐራባብትና ጨናፍሮም ዝተዘርገሐን፤ ፍሬኦምን ሓዋርያዊ ተልእኾምን ብዝግባእ ዝፍለጥ ጕንዲ ምንኩስና እዮም።

ስለቲ ዝፈጸምዎ መግለጺ ዘይርከቦ ድንቂ መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ተኣምራቶምን፤ እቲ መጽሓፈ ገድሎም’ውን ነዞም ቅዱስን ክቡርን ኣቦ “በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ” (ብመን ክንምስሎ፤ ምስ መን’ከ ከነመዓራርዮ) እናበለ ክውድሶም ይነብር። እወ! እዞም ቅዱስ ኣቦ ምስቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው ዘመሳስልን ዘዛምድን ብዙኅ ድንቂ ነገራት ገይሮምን፤ ተገይርሎምን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ገድሎም “መሥዋዕቱ ብዝሠመረሉ ብኣቤል ድዩ፤ ወይሲ መመላለሲ ብርሃናት ብዝረኣየ ብሄኖክ ክንምስሎ፤ እግዚአብሔር ካብ ዘውረዶ መዓት ብዝደኃነ ብኖኅ’ዶ ክንምስሎ፤ ወይሲ ምእንቲ ክህነቱ ዕሽር ብዝተቐበለ ብመልከጼዴቅ ክንምስሎ፤ ….” እናበለ ምስቶም ዝቐደሙ ኣበው (ብሉይን ሓዲስን) እናነጻጸረ ዝገልጾም። ነፍስ ወከፍ ምሳሌያት ምስ እንምርምሮ ከኣ፤ እቲ ናቶም ቅድስናን መንፈሳዊ ግብርን ዓቢይን ፍሉይ ምዃኑ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።

እዞም ክቡርን ቅዱስን ኣቦና፤ ፵፪/42 ዓመት ቅድሚ ናብ ገዳም ምእታዎም፤ ፵፪/42 ዓመት ከኣ ገዳም ድኅሪ ምእታዎም፤ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ነይሮም እዮም። አማን በአማን ብበረከቶምን ረድኤቶምን ኣብ ልቢን ሕይወትን ምእመናን ሃገርና ፍሉይ ስፍራ ዘለዎም እዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም፤ ታሪኾምን ገድሎምን ምፍላጥን ምንባብን ዝግባእ እዩ እሞ፤ ንበረኸት ክኾነና ንሎሚ “ንባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝብሃል፤ ንዜና ሕይወቶም ካብቲ ሰፊሕ ገድሎም ቀዲሕና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና እሞ፤ በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን እናበልና ንምኅፀን።

ትውልድን ጥምቀትን

“ወይሁበኪ ወልደ ቅዱሰ ወቡሩከ ልዑለ ወክቡረ ወይከውን አበ ብዙኃን”

ሕፃን ፊልጶስ ካብ ኣቦኡ ይርድኣነ እግዚእ፤ ካብ ኣዴኡ መግደላዊት ኣብ ኣንከረ ባሩካ ከባቢ ኣክሱም (ኢትዮጲያ) ተወልደ። ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብ ፲፪፻፺፯ ዓ.ም. (1297) ከም ዝተወልዱ ይጽሓፉ ደኣ እምበር፤ ኣብቲ ገዳም ጥራይ ዝርከብ ሓሳበ ቢዘን ዝገልጽ መጽሓፈ ሕርግርግ፤ አቡነ ፊልጶስ ብሓሳበ ቢዘን ጥቅምቲ ፲፻፺፩ ዓ.ም. (ማለት ብግእዝ ብ፲፫፻፲፱ ዓ.ም.) ኣብ መበል ፲፭ ዓመት ዘመነ ንግሥነት ዓምደ ጽዮን (ወዱ ንውድም ኣርዕድ) ከምዝተወልዱ ይገልጽ። ኣቦኦም ኃያልን ብርቱዕን ዓቀይታይ ከምዝነበረን ሓኔታይ ዘብሎ ከኣ ሓደ ኣንበሳ ቀቲሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ኣዴኦም ካብ ብሩኻት ስድራ ዝተረኽበት፤ ጾምን ጸሎትን ስግደትን እተዘውትር፤ ምስ ሰብኣያ ኮይና ምጽዋት እትፈቱ፤ ኣጋይሽ እትቕበል ቅድስቲ፤ ካብ ሕጻንነታ ኣትሒዛ ካብ ካህነ እግዚአብሔር መጽሓፍ ቅዱስ (ብሉያትን ሓዲሳትን) ምስ ትርጓሜኡ ዝተማህረት ነበረት። ነቲ ዝተማህረቶ’ውን ብግብሪ እትፍጽም፤ ነቶም ዘይተማህራ ኣንስትን ዘይተማህሩ ሰብኡትን ከኣ ተጊሃ እትምህር ከም ዝነበረት እቲ መጽሓፍ ገድሊ የረድእ። ከም ሓና ኣደ ሳሙኤል ውላድ ስለዘይነበራ ድማ ኣብዚኃ ጸሎታ ክሰምዕ፤ ሓሳባ ከሥምረላ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብእምነት ትልምን ነበረት። “እቲ ለሚንካዮ ዘይከልእ፤ ጸዊዕካዮ ዘየጽምም” እግዚአብሔር ኣምላኽ ንመልኣኹ ቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ከምእትወልድ ኣበሠራ።

ኣብ መዓልቱ ከኣ መልኣኽ ዝመስል ምልኩዕ ወዲ ወለዳ። እተን መሕረስቲ’ውን ብመልክዕ እቲ ዝተወልደ ቆልዓ ከምዝተገረማን፤ እቶም ዓዲ’ውን ብዘደንቕ ልደት እዚ ሕፃን’ዚ ፍርሂ ስለዝሓደሮም፤ ኣብቲ ዝተወልደሉ ተኣኪቦም ናብ እግዚአብሔር ጸሎትን ፵፩ን እግዚኦታን ከምዘብጽሑ ገድሎም ይገልጽ። ኣብ ልዕሊ እዚ ሕፃን ንዝተመደበ ግብሪ እግዚአብሔር ንኽርእዩ ድማ ተሓንጠዩ። ከም ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ክውለድ ከሎ እቶም ጐራባብቱን ኣዝማዱን ተደኒቖም “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ? ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ።” ዝብለና እቶም ከባብን ዓድን ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝተወልደ ፊልጶስ ተመሳሳሊ ቃላት ኣውሲኦም ነይሮም። (ሉቃ ፩፥፷፮/1፥66)

ብቅዱስ ገብርኤል እናተሓለወ ድማ፤ እቲ ሕፃን ክጥምቕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል ፵ መዓልቱ ኣብ ዝተወስደሉ፤ መግደላዊት ኣዲኡ ነቶም ካህናት “ከምቲ ሓና ንወዳ ሳሙኤል ብመሠረት መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ዝሃበቶ፤ ኣነ ድማ ከም’ቲ መብጽዓይ ንእግዚአብሔር ሂበዮ ኣሉኹ” በለቶም። እቶም ዘጠምቕዎ ካህናት ድማ ፲፫ ኅዳር ፊልጶስ ሓዋርያ ዝዝከረሉ ዕለቱ ምዃኑ ኣስተውዒሎም፤ ብስም እቲ ቅዱስ ሓዋርያ “ፊልጶስ” ሰመይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ንዘሎ ጸጋ ርእዮም ከኣ ፈተዉዎ። ኣቦኡ ፊልጶስ ከይተወልደ ከሎ ኣቐዲሙ ሞይቱ ስለዝነበረ ከኣ፤ ኣዲኡ መግደላዊት ድኅሪ ጥምቀት ወዳ፤ ነዚ ዓለም መኒና፤ ንወዳ ባሪኻን ስዒማን መንኰሰት።

ትንቢት

“ወይቤሎ አንሰ አነክር በእንተ ሕፃን ዘይትወለድ በውስተ ዛቲ ሀገር ዘይከውን መርኃ ለብዙኃን ወአበ ለጉቡአን”

ኣቦና ብብስራት ቅዱስ መልኣኽ ምውላዶም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብዛዕባ እቲ ዳኅራይ ምስ ዓበዩ ዝፈጽምዎ ገድልን ልዕልናኦምን ብቅዱሳን ሰባት ይኹን ብቅዱሳን መላእኽቲ ዝተመስከረሉን፤ ትንቢት ዝተነግረሉን እዩ። ቅዱስ ገብርኤል ወዲ ከም እትወልድ ንመግደላዊት ከብሥራ ከሎ፤ እቲ ዝውለድ ሕፃን “ብትምህርቱ ብዙኅ ሕዝቢ ዘድኅን፤ ንብዙኃት’ውን ኣቦ ዚኸውን ክቡርን ልዑልን ውላድ ኪህበኪ፤ ደቁ’ውን ብዙኅ ኣህጉር ዝወርሱን፤ ብወገን ምብራቕ ከም ከዋኽብቲ ዘብርሁ ኪኾኑ እዮም” ብምባል ነጊርዋ ነይሩ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን፤ ኣቡነ ፊልጶስ ቅድሚ ምውላዶም፤ በቲ መግደላዊት ዘላቶ ዓዲ እናሓለፉ ከለዉ ብሓጐስ ክምስ እናበሉን፤ ብኣድናቖት ኣፎም ብኢዶም እናኸደኑን ነቶም ምስኦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቶም “ኣብዚ ዓዲ’ዚ ንብዙኃት ጉባኤ ኣበው፤ መራሒ ዝኸውን ክውለድ እዩ” ብምባል ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተገልጸሎም ነገር ኣቐዲሞም ተዛሪቦም ነይሮም።

እቶም ንሕጻን ፊልጶስ ዘጥመቕዎ ካህናት’ውን ዓበይትን እግዚአብሔር ዝገለጸሎምን ብምንባሮም፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተጠምቀ ሕፃን ዝዓሰለ ጸጋ ዓቢይ ምዃኑ ርእዮም፤ እዚ ወዲ’ዚ “ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፤ ንብዙኃት ሰባት ኣቦ ኪኸውን እዩ፤ ዝንኡ ኣብ ኵሉ ክስማዕ እዩ” ብምባል ተነበዩሎም።

ማር ፊልጶስ ካብ ኣዴኦም ተፈልዮም፤ ናብ ገዳም ኣብ ዝቕንዕሉ ዝነበረ እዋን ክሕልዎም ዝተላእከ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ዝበሎም ቃል ነዚ ቅድሚኡ ዝተነግረ ትንቢት ደጊሙ ዘጽንዕ ነበረ። እቲ ቅዱስ መልኣኽ ክግለጽ ከሎ፦ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መስቀል ብዝተፈላላዩ ሕብርታት ዘለዎም ዕምባታት ዘጌጸ እዩ ነይሩ። ንፊልጶስ ከኣ “ከምቲ እትርእዮ ዘሎኻ ዝተፈላለዩ ዝሕብሮም ዕምባታት፤ አበ ብዙኃን ክትብሃል ኢኻ” በሎም።

ብድኅሪኡ’ውን ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ ኵሉ ምሥጢራት መጻሕፍቲ ድኅሪ ምግላጽ “ብተግባራተ ጽድቂ ክብ ክትብል ኢኻ፤ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይ’ውን ዝኸበርካ ክትኸውን ኢኻ” ኢሉ ብሕያው ቃሉ ተዛረቦም። ድኅሪ ምንኵስና’ውን ኣብቲ ዓበይቲ ተጋድሎ ዝፍጽሙሉ ዝነበሩ ቦታ ተገሊጹ “አበ ብዙኃን ክትኸውን ኢኻ” ኢልዎም ነበረ።

ኣተዓባብያን ምንኵስናን

“ሊተሰ አቡየኒ ወእምየኒ እግዚአብሔር ውእቱ”

መግደላዊት ድኅሪ ምምንኳሳ፤ ምህርቲ ብምንባራ ንእንኮ ሕጻን ወዳ ፊልጶስ መገዲ እግዚአብሔር ከጽንዕ ብዝግባእ እናመሃረት ኣዕበየቶ። ቍርብ ልቢ ምስ ደረበ ከኣ እቲ ዝግባእ ትምህርቲ ምንኵስና ክስዕብን ክፍጽምን ምስ ለበዋ ናብ ገዳም ክትሰዶ ብምውሳን ብዙኅ ናይ ምዕዶ ቃላት ተዛረበቶ። ሕፃን ፊልጶስ’ውን ለበዋ ኣዲኡ ሰሚዑ ብዛዕብኡ ብዙኅ ክትስከፍ ከምዘይብላ ብምግላጽ ደጊም “ሊተሰ አቡየኒ ወእምየኒ እግዚአብሔር ውእቱ” (ደጊም ንዓይሲ ኣቦይን ኣደይን እግዚአብሔር እዩ) ብምባል ጽኑዕ ናይ እምነት ቃሉ ሂብዋ። ንሕፃናት ለባማትን ጥበበኛታትን ዝገብር እግዚአብሔር ከኣ ምስኡ ከምዝኾነ ብምንጋር፤ ኣዝዩ ባህ ብዝብል ቃል ብዛዕባኡ ክሳብ እትግረም ንኣዲኡ ኣጽናንዓ። ብኸምኡ ከኣ ኣደን ወደን ተፈላለዩ። ሕፃን ፊልጶስ ድማ ንድኅሪት ግልጽ ከይበለ፤ ጸሎቱ እናብጽሐ፤ እግዚአብሔር ብርሃኑ ክኸውን፤ መገዱ ድማ ክመርሖ እናተማኅፀነ ናብ ገዳም መገዱ ቀጸለ።

ኣብ መገዲ ከሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ባረኾ። ብድኅሪኡ ከኣ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ ንኹሉ ምሥጢር መጻሕፍቲ ገለጸሉ። ደብረ ጸራቢ ናብ ዝተባህለ ገዳም ክኸይድ እሞ፤ ረድእን ደቂ መዝሙርን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ዝነበሩ በኪሞስ ዝብሃሉ ዓቢ መነኮስ ክራኸብን፤ ካብ ኢዶም ከኣ ክምንኵስን፤ ኣስኬማ ክደፍእን ተነግሮ።

ፊልጶስ ገና ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ መንፈስ እግዚአብሔር ዝተመልአ ብምንባሩ ስርሑ ዘበለ ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው ብመንክራት ዝደመቐ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝተነግሮ ከኣ ኣብ መበል ፲፪ ዓመት ዕድሚኡ፤ ብኢድ ኣቡነ በኪሞስ ኣብ ደብረ ጸራቢ መንኮሰ። ስም ምንኩስናኡ ከኣ ከምቲ ክጥምቕ ከሎ ዝተዋህቦ ከይተቐየረ ፊልጶስ ተባህለ። ካብ ኢድ አቡነ በኪሞስ ስለዝመንኮሰ ከኣ ሓረገ ትውልዱ ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዩ። እንጦንስ: መቃርስ: ጳኵሚስ: ሊባኖስ: ዖፅ (ብእሴ ሰላም): አድኃኒ: ጰላድዮን: ቅቡዕ እግዚእ: ኣትናቴዎስ: ይስሓቅ : ዕብነ ሰንበልት : ዳንኤል : ኤዎስጣቴዎስ : በኪሞስ : ፊልጶስ ዝብል ሓረገ ትውልዲ ምንኵስና ሒዙ ይርከብ።

እምበኣር ማር ፊልጶስ ኣብቲ ገዳም ካብ ዝኣተዉሉን፤ ብዝያዳ ከኣ ኣልባሰ ምንኵስና ድኅሪ ምልባሶምን፤ ኣክሊለ ኣስኬማ ቅድስት ድኅሪ ምድፍኦምን ኣብዚ ደብሪ ንዘለዉ መነኮሳት ብትግሃት እናገልገሉ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ይነብሩ ነበሩ።

ፋድል

“ይሰመይ ስምከ ፋድለ”

እዚ ስም’ዚ ንቅዱስ ኣቦና፤ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህቦም ፍልይ ዝበለን፤ ህያብ እግዚአብሔር ዘመልክትን ስም እዩ። ሕፃን ፊልጶስ ጌና ናብ ገዳም ቅድሚ ምእታዎም፤ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ትንቢቱ ድኅሪ ምንጋሩ፤ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብዓቢን ዘፍርህን ግርማ ተገሊጹሎም ነበረ። ኣእምሮን ልቢ ዘስፍሕ ትምህርትን ከምዝገለጸሎም ከኣ ኣበሲርዎም ነይሩ። “ብብልሓትካ ብዙኃት ምእንቲ ኪዛረቡ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምሥጢር ገሊጸልካ ኣሎኹ።” ብምባል ከኣ ተዛረቦም። ኣስዒቡ ድማ ፹ወ፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስ ትርጓሜታቶም ገሊጹሎም ነበረ፤ ከም ሓዋርያት’ውን ኃይሊ መንፈስ ስለዝተቐበሉ ብኻልእ ልሳናት (ቋንቋታት) ክዛረቡ ጀሚሮም።

እምበኣር ኣብ መምህር ቀሪቦም ፊደልን መጻሕፍትን ከይተማህሩ፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ስለዝገለጸሎም ካብ ፈደለ ዝብል ሥርወ ግሢ ፋድል ተባህሉ። ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ’ውን “ይሰመይ ስምከ ፋድለ፤ በእንተ ዘኢተምህርከ ፈደለ ኆህያተ ፊደል ኀበ መምህር አላ አነ ከሠትኩ ለከ” (ከምኡ ድማ ንፊደል ናብ መምህር ከይከድካ ባዕለይ ስለዝገለጽኩልካ ስምካ ፋድል ይኹን) ድማ በሎም ይብል እቲ ገድሎም። ስለዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ደቂቀ ማኅበር ዘገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ነነፍሶም “ወዲ ፋድል” እናበሉ ክጽውዑ ዝስማዓሉ ጊዜ ኣሎ። ብቀረባ እንዝክሮም ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ፤ ነንዊሕ ዓመታት ብኣበመኔትነት (መምህር ተወልደብርሃን) ነዚ ክቡር ገዳም’ዚ ዘገልገሉ ወዲ ገዳም ብምንባሮም ኣብ ገለ እዋን ብርተዐ ኣብ እተሓወሶ ዘረባኦም “ኣነ ወዲ ፋድል!” ክብሉ ይስምዑ ምንባሮም ነዚ ኣበሃህላ ርቱዕ ምስክር ክኾነና ይኽእል።

ይቕጽል...